Navigation

Inhaltsbereich

ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ምኽሪ፣ ንኹሎም ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ጉድኣት ዓሌታዊ ኣድልዎ ዘጋጠሞም ውልቀ ሰባት ነበርቲ ካንቶን Graubünden (ግራውብዩንደን) ብቑዕ ምኽርን ደገፍን ይህብ። ብቐጥታ ዝተጎድኡን ኣባላት ስድራ ቤቶምን፣ መሰኻኽርን ካልኦት ዝምልከቶም ሰባትን ምስ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ምኽሪ ክራኸቡ ይኽእሉ። ስም ብዘይርቁሓሉ ስቱር ኣገባብ እውን ምርኻብ ይከኣል እዩ።

ኣማኸርትና ነዞም ዝስዕቡ መሰረታውያን እዳበታት የኽብሩ። 

  • ክብረት ዝሓለወ ርክባት፡ ግሉጽነት፣ ንኹሎም ሓተትቲ ምኽሪ ብኽብሪ ምቕባልን ክብሪ ምሃብን
  • ወጋንነት፡ ኣባላት ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ምኽሪ ምስ ዝድግፍዎም ሰባት ወጊኖም ኣብ ምስላጥ ጉዳዮም ጥራሕ ብምትኳር ይሰርሑ። እቲ ዕላማ ንብኣድልዎነት ዝተጠቕዑ ሰባት ምብርታዕን ምድጋፍን፣ ኣብ መነባብርኦም ምምሕያሽ ምምጻእን እዩ።
  • ምኽባር ርእሰ ወሳንነት: ካብ ደላይ ምኽሪ ንጹር ፍቓድ ድሕሪ ምርካብ ጥራይ ስጉምቲታት ይውሰዱ።
  • መርበባዊ ምትእስሳር፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኩነት ብቑዕ ዝኾነ ምኽሪ ምሃብ ንምኽኣል፣ ንዝተሓላለኸ ጉዳያት፣ ወይ ናይ ውሽጠ - ምምሕዳራዊ ፍጻመታት ዓሌታዊ ኣድልዎ ብዝምልከት ጉዳይ ካብ ናይ ዝለዓለ ጽፍሒ ሰብ ሞያ ኣገልግሎት ምኽሪ ምርካብ ይከኣል።
  • ናጻ ኣገልግሎት፡ ኣገልግሎት ምኽሪ ንተደገፍቲ ብናጻ ይወሃብ። ኣብ ዘድልይ ኩነት ከኣ ናይ ስግረ ባህላዊ ምርኻባት ተርጎምቲ ሓገዝ ይግበረሉ። ናይ‘ዚ ኣገልግሎት‘ዚ ወጻኢታት ብቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ምኽሪ ይሽፈኑ፣

ትርጉም ቃል ዓሌታዊ ኣድልዎ

ዓሌታዊ ኣድልዎ፣ ንሰባት ብምኽንያት ኣካላዊ ትርኢቶም፣ ዘርኣዊ መበቆሎም፣ባህላዊ መፍለዪታቶም (ቋንቋ፣ስም) ወይ ሃይማኖቶም፣ ሕጋዊ መሰላቶም ኣብ ምኽላእ፣መሰላቶም ኣብ ምግሃስ ወይ ኣብ ዘይምጽዋር፣ ምቁንጻብ፣ ምንሻው፣ ምፍርራሕ፣ ወይ ኣካሎምን ህይወቶምን ኣብ ምጉዳእ ዝፍጸም ኩሉ ተግባራት እዩ። እዚ‘ውን ኣብ ዕለታዊ ናብራ፣ ኣብ ስራሕ፣ ኣብ መንበሪ ቦታ፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ፣ ኣብ ስፖርትን ብሕታዊ ናብራን፣ኣብ ህዝባዊ ምምሕዳራትን ወይ‘ውን ኣብ መገዲ ከጋጥም ይኽእል።

ዓሌታዊ ኣድልዎ ብዝምልከት ብቐዳምነት ዘገድስ ሳዕቤኑ ደኣ እምበር ናይ መበገሲኡ ምኽንያት ኣይኮነን።

መልክዓት ዓሌታዊ ኣድልዎ

ቀጥታዊ ኣድልዎ ኣብ ጭቡጥ ወይ ይኸውን‘ዩ ተባሂሉ ዝሕሰብ መለለዪታት ሓደ ሰብ ኣተኲሩ ዝፍጸም ዘይፍቑድ ናይ ኣድልዎ ጉድኣት እዩ።

ዘይቀጥታዊ ኣድልዎ ኣሎ ዝበሃል ኣቐዲሙ ዝተወሰነ ፍቑድ ወይ ዘይወገነ መምርሒ ኣብ ልዕሊ ገለ ጉጅለ ሰባት ናይ ኣድልዎ ጒድኣት እንተ ኣስዓበ እዩ።

ተደራራቢ ኣድልዎ ኣሎ ዝበሃል ሓደ ሰብ ብምኽንያት ዝተፈላለዩ መልክዓት ኣድልዎ እንተተጎድአ እዩ። (ንኣብነት መበቆል፣ ኣካለ ጎዶለነት/ ጾታ/ ጾታዊ ኣንፈት/ ዕድመ)

ተወሳኺ ናይ ኢንተርነት መራኸቢታት

ኣብ ዝስዕቡ ናይ ኢንተርነት መራኸቢታት ብዛዕባ ዓሌታውነትን፣ ተግባራዊ መምርሒ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ዓሌታውነት ኣብ ዕለታዊ ናብራን፣ ንምቅዋሙ እንታይ ክግበር ከም ዝከኣልን ሓበሬታታት ትረኽቡ።

ብኸም‘ዚ ትረኽቡና

  • ኣገልግሎት ምኽሪ ኣንጻር ዓሌታዊ ኣድልዎ

    Grabenstrasse 17001 ChurTel. 081 257 63 44 (ንርከበሉ እዋን፣ ኣብ ሰዓታት ስራሕ)

Telerik RadEditor for SharePoint

ድሕሪ ምቕራብ ምልክታኹም፣ ሓደ በዓል ሞያ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ምኽሪ ምሳኹም ቆጸራ ንቐዳማይ ዝርርብ ንምግባር ይራኸበኩም።